Archive - 2018

መንደፈራ – ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ዝቐንዐ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ዘሎ ሸለልትነት ንምጉዳል፡ ብ19 ነሓሰ ንነበርቲ ከተማ መንደፈራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ድቡብ ሜጀር ሃብተ ገብሩ፡ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያን ተሽከርከርትን ዘሎ ሸለልትነት፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንሚኒስተር ኣህጉራዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝ ጀርመን ኣዘራሪቡ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፈደራላዊ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ዶክተር ገርድ ሙለር፡ ትማሊ 24 ነሓሰ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት...

ካብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ መርመራ ኣስታት 60 ሚእታዊት ሓሊፎም

ኣብ ናይ 2017/18 ዓመተትምህርቲ ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ፡ እቶም 58.2 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ኣቶ ሃብተ ኣስፍሃ ሓቢሩ። ኣብ’ቲ ሃገራዊ መርመራ፡ ካብ 396 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ 49.7...

“ፖሊሲ ምሕደራ ማይ፡ ኣብ ውሕሉል ኣጠቓቕማ ዘተኰረ እዩ” ኣቶ መብራህቱ ኢያሱ

ፖሊሲ ምሕደራ ማይ ኤርትራ፡ ሓባራዊ ሃብቲ ንዝኾነ ጸጋታት ማይ ብምልማዕን ብምዕቃብን፡ ውሁድ ምሕደራኡን ውሕሉል ኣጠቓቕማኡን ዘረጋግጽ ምዃኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሃብቲ ማይ ኣቶ መብራህቱ ኢያሱ ገሊጹ። ኣቶ መብራህቱ፡ ማይ ኣብ...

ሓረስቶት ኣውጋሮ፡ ዘራእቶም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ይገልጹ

ሓረስቶት ኣውጋሮ – ንኡስ ዞባ ላዕላይጋሽ፡ ኣብ እዋኑ ሳላ ዝሓረሱን ጽቡቕ ዓቐንን ዝርጋሐን ዘለዎ ዝናብ ይቕጽል ብምህላዉን፡ ዘራእቶም ኣብ ደረጃ ምጉሳይ ከምዝበጽሐ ሓቢሮም። ኣብ ከባቢኦም ዝናብ ደንጉዩ ብምጅማሩ ንጥፈታት ማሕረስ ተደናጒዩ’ኳ እንተነበረ፡...

ሎጎ-ዓንሰባ – ዕዉት ወፍሪ ክታበት ጥሪት ተኻዪዱ

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ብምትሕብባር ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ዞባ ጋሽ-ባርካን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን፡ ኣብ ውሽጣውን ደጋውን ሕማማት ዘተኰረ ዕዉት ወፍሪ ክታበት ጥሪት ተኻዪዱ። እቲ ክታበት፡ ንጤለ-በጊዕን ከብቲን ጸረ ፍሮማይ፡ ንኣኽላባት ድማ ጸረ ሕማም ዕቡድ...

Login

Categories