ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ብምትሕብባር ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ዞባ ጋሽ-ባርካን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን፡ ኣብ ውሽጣውን ደጋውን ሕማማት ዘተኰረ ዕዉት ወፍሪ ክታበት ጥሪት ተኻዪዱ።

እቲ ክታበት፡ ንጤለ-በጊዕን ከብቲን ጸረ ፍሮማይ፡ ንኣኽላባት ድማ ጸረ ሕማም ዕቡድ ከልቢ ዘጠቓለለ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሃብቲ እንስሳ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ስምኦን ኣማኑኤል ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣገዳስነት ክታበት ሰሪጹ ዘሎ ንቕሓት ህዝቢ ብሓፈሻ ናይ ወነንቲ ጥሪት ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ዓወት ናይቲ ወፍሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ ብምጥቃስ፡ ከም ውጽኢቱ – ምስ ናይ ዝሓለፈ እዋን ብምንጽጻር፡ ብዝሒ ዝተኸትባ ከብቲ ብልዕሊ 11 ሚእታዊት፡ ቊጽሪ ዝተኸትባ ጤለ-በጊዕ ድማ ብኣስታት 10 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘመዝገበ ገሊጹ።

ክታበት፡ ኣብ ጥዕና ጥሪቶምን ውጽኢተንን ጽቡቕ ግደ ከምዘለዎ ዝገለጹ ነበርቲ ብወገኖም፡ ንዓወት ናይ’ቲ በብእዋኑ ዝውደብ መደባት ክታበት ብንቕሓት ከምዝሳተፉ ኣረጋጊጾም።

ሓንቲ ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽባርካ ዝኾነት ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ምዕራብ 34 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories