ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ዘሎ ሸለልትነት ንምጉዳል፡ ብ19 ነሓሰ ንነበርቲ ከተማ መንደፈራ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ሓላፊ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ድቡብ ሜጀር ሃብተ ገብሩ፡ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያን ተሽከርከርትን ዘሎ ሸለልትነት፡ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ፡ ህዝቢ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተወሃሂዱ ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት እጃሙ ከበርክት ጸዊዑ።

ሓደጋ ይጐድል እምበር ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍእን’ዩ” ዝበለ ሜጀር ሃብተ – ሸለልትነት፡ ትሑት ብቕዓት ትሕተ-ቅርጺ፡ ሕግታት ትራፊክ ዘይምኽባር፡ ንጋድም ተሰሪዕካ ብሽክለታ ምዝዋር፡ ብትሕቲ ዕድመ ዝተሓዛ ተደፋእቲ ዓረብያታት፡ ከምኡ’ውን እርጋን ተሽከርከርቲ፡ ጠንቂ ሓደጋ ኮይኖም ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ኣብ ተጠቃምነት ጽርግያ ንቕሓትን ምኽባር ሕግን መሰረታዊ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናይ 2018፡ ብደረጃ ዞባ 2139 ገበናት ጥሕሰት ሕጊ ትራፊክ ከም እተመዝገበ ዝሓበረ ሜጀር ሃብተ፡ ካብ’ዚ – እቲ 1618 ናይ መኪና፡ ሓደ ናይ ሞተር ብሽክለታ፡ 437 ናይ ብሽክለታ፡ እቲ 20 ድማ ናይ ዓረብያታት ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ምክትል ተለንተ ገብረትንስኤ ብርሃነ ድማ፡ እቶም ንገበን ዝቃልዑ ዘለዉ ትሕቲ-ዕድመ ምዃኖም ብምሕባር፡ ወለዲ ኣብ ምክትታልን ምምእዛንን መንእሰያት ደቆም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺሩ።

Categories