ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፈደራላዊ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ሪፓብሊክ ጀርመን፡ ዶክተር ገርድ ሙለር፡ ትማሊ 24 ነሓሰ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ተቐቢሉ ኣዘራሪብዎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ሰላም፡ ብሓፈሻኡ ድማ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ እወታዊ ምዕባለታት፡ ንዘይንቡር ኩነታት ናብ ንቡር ዝቐየረ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘለወን ሰባውን ንዋታውን ጸጋታት ብምውህሃድ፡ ኣብ መነባብሮ ህዝበን እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ብሓባር ክሰርሓ ተበጊሰን ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ቊጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ጀርመን ዶክተር ገርድ ሙለር ብግደኡ፡ ዕላማ ዑደቱ ናብ ኤርትራ፡ ዮሃናኡ ብዛዕባ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምግላጽ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው፡ ንምትሕግጋዝን ምዕባለን ናይ’ዚ ዞባ ባብ ዘርሑ ከምዝኸውን ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ሚኒስተር ገርድ ኣስዒቡ፡ ጀርመን ነዚ ኣብ’ዚ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለታት ብእወታ ንምድራኹ ዘለዋ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ብቕድሚ ትማሊ 23 ነሓሰ ኣስመራ ዝኣተወ ሚኒስተር ገርድ ሙለር፡ ኣቐዲሙ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ተዘራሪቡ እዩ።

ሚኒስተር ገርድ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ምስ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኣብ’ዚ ዞባ ኩሉ ነገር ተቐያዪሩ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ብዝያዳ ክፉትነት፡ ንህዳሰ፡ ዘላቒ ሰላምን ብልጽግናን ንምድግጋፍ፡ ብፍላይ ድማ ኤርትራ ንእተሰላስሎ ዘላ መደባት ልምዓት ንምድንፋዕ፡ ሞያውን ቴክኒካውን ሓገዝ ንምብርካት፡ ብወገን መንግስቲ ጀርመን ዘሎ ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ዛዚሙ ዝተፋነወ ሚኒስተር ገርድ ሙለር፡ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ተመሳሳሊ ናይ ምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዶክተር ገርድ ሙለር፡ ኣብ 2015 እውን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ፈጺሙ ምንባሩ ይዝከር።

Categories