Archive - 2018

ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጹ

ካብ 11 ክሳብ 13 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ጅዳ ዝተኻየደ 5ይ ዋዕላ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ፡ ቅዋም ናይ’ቲ ውዳበ ብምምሕያሽ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል ከም ዝመረጸ ተፈሊጡ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡...

ሽዕብ – ልምዓት ኣሕምልቲ ኣተባባዒ ውጽኢት ተረኺብዎ

ሓረስቶት ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣዘውቲሮም ዝዘርእዎ መሸላን ብልቱግን ዕፉንን፡ ኣሕምልቲ ንኸልምዑ ብውሑዳት ኣብነታውያን ሓረስቶት ዝተገብረ ፈተነ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከምእተረኽቦ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓሰን ጅምዕ ሓቢሩ።...

መበል 24 ዓመት ህልቂት ርዋንዳ ኣብ ኣስመራ ተዘኪሩ

መበል 24 ዓመት ህልቂት ርዋንዳ፡ ብ18 ሚያዝያ ኣብ ኣስመራ ነቲ ህልቂት ብዘንጸባርቕ ምርኢት ቪድዮን ምብራህ ሽምዓን ተዘኪሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ቅድሚ 24 ዓመታት ኣብ ርዋንዳ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝግበር ዝኽሪ፡...

Login

Categories