ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ሶማልያን ሪፓብሊክ ኬንያን ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዛዚሙ፡ ትማሊ 15 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣስመራ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ – ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታትን ተዘራሪቦም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ኤርትራን ኬንያን ንዘሎ ዓበይቲ ዕድላት ብምግንዛብ፡ ኣብ ጽላታት ንግድን ወፍርን ዝግበር ምትሕግጋዝ ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን ንምድንፋዕን ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምድልዳልን ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ እወታዊ ሃዋህው ሰላምን ምትሕብባርን መሰረት ብምግባር፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምዕዛዝ ብሓባር ክሰርሑ ተረዳዲኦም።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ኣብ መጀመርያ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ 2019፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 13-14 ታሕሳስ 2018፡ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ምርድዳኣትን ስምምዓትን ገይሮም እዮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ዳይረክተር ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሮም ተጓዒዞም ነይሮም።

Categories