ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ ዛዚሙ፡ ትማሊ 14 ታሕሳስ ኣማስያኡ ናብ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣትዩ።

ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ ኣብ ዝበጽሓሉ ድማ – ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ኬንያ ኣምባሳደር ሞኒካ ጁማ፡ ብወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተሰነየ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ 13ን 14ን ታሕሳስ ናይ ሶማልያ ወግዓዊ ዑደቱ ዛዚሙ – ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓብዱሊ ክብገስ እንከሎ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማህዲ ዓብዱ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር ዓብደልቓድር ኼርን ካልኦት ሚኒስተራትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶን ካልኦትን ኣፋንዮምዎ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሶማልያ፡ ንህዝብን መንግስትን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ዓቢ ፍናን ምዃኑ ድሕሪ ምምልካት፡ ነቲ ካብ ሶማልያ ንኣስታት 30 ዓመታት ርሒቑ ዝጸንሐ ሰላምን ጸጥታዊ ውሕስነትን ናብ ቦታኡ ንምምላስ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ከም እተረዳድኡ ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ብ14 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ንግዲን ወፍሪን ዝምድናታት ንምድንፋዕ ተረዳዲኦም።

ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጋጊሱ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ፡ ሓባራዊ ምዕባለ፡ ገስጋስን ብልጽግናን መድረኽ፡ ኣብ ዞባዊ ሽርክነት ብምትኳር ብዝሓየለ መልክዑ ንምድንፋዕ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጾም። (ምሉእ ትሕዝቶ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ ሳጹን ረአ)

Categories