ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፑብሊክ ሶማልያ፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፎርማጆን ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፡ ካብ 13-14 ታሕሳስ 2018፡ ኣብ ሞቓድሾ – ሶማልያ ንክልተ መዓልታት ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ኣካይዶም።

ክልተኦም ፕረዚደንትታት፡ ኣብ ቪላ ሶማልያ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፡ ናይ ክልተአን ሃገራት ታሪኻዊ ዝምድና፡ ብኹሉ መዳያት ምትሕብባር፡ እንተላይ ብንግዳዊ ልውውጥ፡ ወፍሪን ህዝቢ ንህዝቢ ርክባትን ከጠናኽርዎ ተረዳዲኦም። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ፡ ናብ ዞባዊ ሽርክነት፡ ሓባራዊ ልምዓት፡ ዕብየትን ብልጽግናን ዘድሃበ ሓድሽ ሃዋህው፡ ዝያዳ ንምሕያሉ መብጽዓኦም ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ሶማል ዝብህጎ ሰላምን ጸጥታን ከረጋግጽ ዝኽእል፡ ብሶማላውያን ዝምራሕ፡ ናይ ጸጥታ ትካላት ንምምስራት፡ መንግስቲ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምምጓስ፡ ደገፉ ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ዘመናዊ ተርእዮ ሽበራን ጥሜትን ንምቅላስ፡ ውሁድን ዓማሚን ኣገባብ ምኽታል ኣድላይነቱ ብምግንዛብ፡ ንክልቲአን ሃገራትን ንመላእ ዞባናን ዘርብሕ፡ ሓያል ሽርክነት ክምስርቱ ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ንመጻኢ ሓባራዊ ፍታሕ ዝጠልቡ፡ ብዙሓት ብድሆታት ከምዘለው ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ኮነ ብውልቂ ዝገጥመን ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ፡ ሓባራዊ ምምኽኻርን ምድግጋፍን ከደልድላ ተረዳዲኦም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ናይ ጸጥታን ግብረ-ሽበራን ስግኣት ንምውጋድ፡ ድኽነትን ኣከባቢያዊ ዕንወትን ንምፍዋስ፡ ኣድማዒ ዞባዊ ምትሕብባር፡ ከምዝሓትት ኣገንዚቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሰላምን ርግኣትን ሶማልያ ንረብሓ ህዝቢ ሶማል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንረብሓ መላእ ዞባ ምዃኑ ጸቒጦም ኣስሚሮምሉ። ነዚ ዘሎ መስርሕ፡ ካብ ሓዲዱ ንምውጻእ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሃቐነ፡ ሶማልያ ናብ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቂን እትገብሮ ዘላ ገስጋስ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቦም። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብፖለቲካዊ ድርኺት ዝፍኖ፡ ዝኾነ ይኹን ጎዳኢን መጋገዪን ሓበሬታታት ኣትሪሮም ከምዝቃወምዎ ብምርግጋጽ፡ ኩሎም ወገናት ኣብ ሶማል፡ ሰላምን ርግኣትን ንምውሓስ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ እወታዊ ኣበርክቶ ክገብሩ ጸዊዖም።

ሞቓድሾ፡ ሶማልያ

14 ታሕሳስ 2018

Categories