ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያን ሪፓብሊክ ኬንያን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ 13 ታሕሳስ ንግሆ ገይሹ።

እዚ ምብጻሕ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ መንጎ ሃገራቶም ዘሎ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ዘካይድዎ ናይ ምምኽኻር ርክባት እዩ።

እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሶማልያ ዘካይዶ ዘሎ ታሪኻዊ ምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ሶማልያን ንዘሎ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት – መሰረት ዝገበረ እውን እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓብዱሊ – ከተማ መቓድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ማህዲ ዓብዱ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስቴት ሚኒስተር ዓብደልቃድር ኼርን ካልኦት ሚኒስተራትን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ባይቶን ካልኦትን ብሃገራዊ መዝሙር ክልቲኤን ሃገራት ዝተሰነየ ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።

ክልቲኦም ፕረዚደንትታት፡ ብማእከል ከተማ መቓድሾ ሓሊፎም ቤተ-መንግስቲ ምስ ኣተዉ – ፍሉይ ክልተኣዊ ኣኼባ ኣካዪዶም።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ትማሊ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፡ ምስኡ ሓቢሩ ንዝተጓዕዘ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ድራር እንግዶት ገይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን፡ ብ5 መስከረም ኣብ ኣስመራ “ሓባራዊ ኣዋጅ ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝ” ክኽትሙ እንከለዉ፡ ብ9ን 10ን ሕዳር ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ኣብ ገስጋስ ናይ’ቲ ኣዋጅ ከምእተዘራረቡ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ናይ ሪፓብሊክ ሶማልያ ዑደቱ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብዝገበረሉ ዕድመ – ናብ ኬንያ ከምርሕ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን፡ ኬንያ ብዘለዋ ሚዛን – ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መጺኡ ኣብ ዘሎ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን መዋእል፡ ደራኺ ተራ ከምእተጻወት ንምግባር ክዝትዩ እዮም።

ምድንፋዕ ንግዳውን ወፍራውን ዝምድና ኤርትራን ኬንያን እውን፡ ቀንዲ ዝዝረበሉ ዛዕባ ክኸውን እዩ።

ፕረዚደንት እሁሩ ኬንያታ – ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሪፓብሊክ ኬንያ ዑደት ክገብር፡ ብ17 ሕዳር ዕድመ ኣቕሪብሉ ነይሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን፡ ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተጓዒዞም ኣለው።

Categories