ካብ 11 ታሕሳስ ዝጀመረን ንክልተ መዓልታት ኣብ ሆቴል ኣስመራ – ፓላስ ዝተኻየደን፡ ሃገራዊ ዋዕላ ኮም ንዝሰረቱ ምሉእ ጽሬት፡ መደባት ጽሬት ዝያዳ ዝድርኽ ኣዋጅ ብምውጻእ ትማሊ ተዛዚሙ።

እቶም ኣዋጃት፡ ውሕስነትን ቀጻልነትን ጽሬት ንምርግጋጽ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስትን ኮምን ውህደት ምሕያል፡ ፖሊሲታት ጽሬት ከተማን ገጠራትን ምምሕያሽ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ንጉዳይ ጽሬት ብዕቱብ ንኽሕዛኦ ግቡእ ምክትታል ክግበር ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት የጠቓልሉ።

ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ዕላማታትን ትጽቢታት ውጽኢታትን ዋዕላ፡ መርሓ ጎደና ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ቀረብ ዓይኒምድሪ፡ ምሕያል ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ ዞባዊ ርድኢት ኣብ ጽሬት፡ ኩልመትን ጽሬትን፡ ምኽሪ ኣብ ጽሬት፡ ከምኡ’ውን ምውህሃድ ኮም ኣብ ምርግጋጽ ጽሬት፡ ተበግሶን ጻዕርን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ቀረብ ዓይኒ-ምድሪ፡ ተራ ኣብነታውያን ኩባንያታት ኣብ ጽሬት፡ ምልውዋጥ ተመኵሮ፡ ቈላሕታ ኣብ ሓይሊ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንእወታዊ ባህርያዊ ለውጢ፡ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መግለጺታት ቀሪቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ ዞባታት ዝመጹ ወከልቲ ብጉጅለታት ተኸፋፊሎም፡ ዝርጋሐን ብቕዓትን ዓይኒ ምድሪ ኣብ ዓድታት፡ ብድሆታት ኣብ ጽሬት ኣከባብን ዝርጋሐ ዓይኒ ምድርን፡ ተሳትፎ ኮም፡ ሜላታት ምርግጋጽ ጽሬት ከምኡ’ውን ምክትታል ጽሬት ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዘትዮም።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ እቲ ኣብ 2022 ኮም ዝሰረቱ ምሉእ ጽሬት ንምርግጋጽ ዝዓለመ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ንጡፍ ተሳትፎን ኣገደስቲ ሓሳባትን ከምእተረኽቦ ብምጥቃስ፡ እዚ ተገዳስነት ነቲ ዝበሃል ዘሎ ዕላማ ኣቐዲሙ ከምዝብጻሕ ዝገብር ረቛሒ ከምዝኾነ ገሊጻ።

Categories