ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣብ 2018 ናይ ዘካየዶ ኩለንትናዊ ንጥፈታት ዝግምግም ርክብ፡ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን ኣካዪዱ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ከረን ኣቶ ዘርእዝጊ ዳዊት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ርእስ’ቲ ዝተፈላለየ ልምዓታዊ ንጥፈታት፡ ኣብ ምጽጋንን ምጽራግን ብውሕጅ ዝተበላሽዉ ዓበይቲ ጎደናታት ዕዉት ስራሕ ከምእተሰላሰሉ ብምሕባር፡ ምሕያል መስርሕ ትምህርቲ፡ ምክትታል ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎትን ዕዳጋታትን፡ ምዕቃብ ጽሬት ከተማን ምእካብ ግብሪ ኣባይትን ጥሪትን ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተዓሙ ንጥፈታት ምንባሮም ገሊጹ።

በቲ ንጥፈታት፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ኲቢክ ሜተር ከትርታት፡ 45 ኪሎሜተር ዛላታት ክስራሕ ከሎ፡ 34 ሽሕ ፈልሲታት ዒቃ፡ ቀንጠብ፡ ንፋሻ፡ ጋባ፡ ሕሞርን ካልእን ከምእተተኽሉ ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ህዝቢ ንዘርኣዮ ተሳትፎ ንኢዱ።

ርእሰ-ውጥን ከተማ ከረን በብደረጃኡ ንምምሕያሽ ከምዝተጀመረ፡ ምጽጋን ጎደናታት ከተማ ከረንን ምህናጽ መናድቕ መከላኸሊ ውሕጅን ፍግረ-መሬትን ኣብ ኣድላዪ ቦታታትን ድማ፡ ናይ መጻኢ መደባት ምዃኖም ተገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሸቐጥ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣቓልቦ ክወሃቦም፡ መሃይምነት ዘየጥፍኣ ኣዴታት ክመሃራ፡ ናይ ኣገልግሎት ማይ መኽፈሊ ወረቐት ኣብ ግዜኡ ክዕደል፡ ትሕተ-ባይታ ማይ ሩባ ዓንሰባ ንምህብታም ዲጋ ክስራሕ ስ/ ዓብደልሓሊም መሓመድ ዝብሉ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Categories