ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን፡ መነባብሮ ኣባላቱ ንምውሓስ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ብ8 ታሕሳስ ‘ውሑስ መነባብሮ ስድራቤታት ዓይነ-ስዉራን ምርግጋጽ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ ዘቃንዖ ርክብ ገሊጹ።

ኣብቲ ወኪል ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ወከልቲ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ኣባላት ማሕበርን ስድራ ዓይነ-ስዉራንን ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኣቶ ገብረመስቀል ፍስሃየ፡ እቲ ማሕበር መነባብሮ ዓይነስዉራን ንምምሕያሽ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ከበግስ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምግባርን፡ ኩነታትን ዓቕምን ዓይነ-ስዉራን ብምግምጋምን፡ ኣብ 2019 ‘ምርግጋጽ ውሕስ መነባብሮ ዓይነ ስውራን’ ብዝብል ፕሮጀክት – 100 ኣባላቱ ንምጥያስ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ምምሕዳር ማሕበር ዓይነ-ስውራን ኤርትራ መምህር ጉርጃ ተስፋስላሴ ብወገኑ፡ እቲ ማሕበር ጸገማት ኣባላቱ ንምቅላል ምስ መንግስትን መሻርኽቲ ኣካላትን ብምዃን ዘካየዶ ንጥፈታት፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ ብምሕባር፡ ቀጻሊ ብዝተገብረ ጐስጓሳት ኣብ ልዕሊ ዑረት ዝነበረ ድሑር ኣተሓሳስባ ተወጊዱ፡ ስድራ-ቤታት ዓይነ-ስዉራን ደቆም ናብ ትምህርቲ ክሰዱ ከምዝበቕዑ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብርክት ዝበሉ ዓይነ-ስዉራን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ በጺሖም ብዝተፈላለየ ሞያታት ክምረቑ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ሕብረተሰብ ንቕሓቱ በሪኹ ንዓይነ-ስዉራን ዝግባእ ክብርን ሓገዝን ይገብር ምህላዉ ጠቒሶም፡ ዓይነ-ስዉራን ንምሕጋዝ ዝብገስ ፕሮጀክትታት – ካብ ብውልቂ ብጉጅለ ክኸውን ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ፡ ኣብ 1996 ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ማሕበር እዩ።

Categories