ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ካብ ኩለን ኣብያተትምህርቲ ንዝተዋጽኡ መማህራን፡ ሞያዊ ዓቕሞም ክብ ንምባል ዝዓለመ ስልጠና፡ ብ1ን 2ን ታሕሳስ ተዋሂቡ።

እቲ ብቐንዱ ኣብ ሜላታትን ኣገባብን ኣመሃህራን ምስግጋር ፍልጠትን ዘተኰረ ስልጠና፡ ብፍላይ ኣብ ቋንቋ ኣደን እንግሊዝን ዘድሃበ ኰይኑ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብቐሊል ዘይጥመት ኣበርክቶ ከምዝህልዎ፡ ሓላፊ ኣብያተትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ሙሳ ኣድም ገሊጹ።

እቲ ስልጠና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሞያዊ ብቕዓት መማህራን ንምድንፋዕ በብእዋኑ ዝውደብ ስልጠናታት ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ መማህራን ነቲ ስልጠና ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ብግብራዊ ስራሕ ከሐይሉዎ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ዝቐሰሙዎ ትምህርቲ ብቕዓትን ደረጃን ተመሃሮ ንምሕያል ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

Categories