ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ፡ 201 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከብኦም 520 ዘድሊ ቅጥዒታት ዘማልኡ ዜጋታት፡ ብ1 ሕዳር መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

እቲ መስርሕ ዕደላ፡ ኣብ ዓድታት ላጔን፡ ዓደ-ርዓዳ፡ ዓደ-ምዘማትን እምበይቶን ንካልኣይ ግዜ፡ ኣብ ዓዲባዃዃይ ድማ ንፈለማ ግዜ ከምእተኻየደ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ነቶም መሬት ጤሳ ዝተዓደሉ ዜጋታት ብዛዕባ’ቲ መስርሕን መዓላ ዝተዓደለ መሬትን ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ኣባላት ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ምጽፋፍ ናይቲ መስርሕ ንዘካየድዎ ዕማም ሞጒሱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል ኣቶ መኮነን ማኢል ብግደኡ፡ እቶም መሬት ዝተዓደሉ፡ መብዛሕትኦም – ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ዕደላ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከይወሰዱ ዝጸንሑ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጋላ-ነፍሒ፡ ዛጊት ን2,459 ግቡእ ቅጥዕታት ዘማልኡ ዜጋታት መሬት ጤሳ ከምእተዓደለ፡ ሰነዳት’ቲ ምምሕዳር የነጽሩ።

Categories