ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ዝርከባ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ብመዓርግ – ማስትሬት ዲግሪ፡ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ዲፕሎማን ሰርቲፊኬትን ዘምሃራኦም 521 ተመሃሮ፡ ብ8 መስከረም ብሓባር ኣብ ዘካየድኦ ስነ-ስርዓት ኣመሪቐን።

ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ብዓውድታት ጂኦግራፍ፡ ስነ-ሰብን ስነጥንትን፡ ቋንቋ እንግሊዝ፡ ኤርትራዊ ቋንቋታትን ስነ-ጽሑፍን፡ ታሪኽ፡ ሕጊ፡ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ኣህጉራዊ ዝምድናታትን፡ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ማሕበራዊ ዕዮን፡ ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ብዙሓንን፡ ከምኡ’ውን ረቂቕ ጥበባት ዘምሃረቶም፡ 12 ብማስትሬት ዲግሪ፡ 164 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 40 ብዲፕሎማ፡ 22 ድማ ብሰርቲፊኬት፡ ብጠቕላላ 238 ኣመሪቓ።

ኮሌጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ድማ፡ ብዓውድታት – ፋይናንስ፡ ምሕደራ ዋኒን፡ ምሕደራ ህዝቢ፡ ሕሳብ፡ ስነ-ቊጠባ፡ ቱሪዝምን ምሕደራ ሆቴልን ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ዘምሃረቶም፡ 131 ብዲግሪ፡ 152 ብዲፕሎማ፡ ብጠቕላላ 283 ተመሃሮ ንመመረቕታ ኣብቂዓ።

ሚኒስተር ቱሪዝም ወይዘሮ ኣስካሉ መንቀርዮስ፡ ኣብ ትስፉው መድረኽ ሰላም ዝሰላሰል ዘሎ መመረቕታ፡ ንዕብየትን ብልጽግናን ሃገር ዝረዘነ ሓላፍነት ከምዘሰክም ኣገንዚባ።

ዲን ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዶክተር ወልደትንሳኤ ተወልደ ብወገኑ፡ እቲ ኮለጅ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 1710 ተመሃሮ የምህር ከምዘሎ፡ ብምትሕብባር ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ከምኡ’ውን ምስ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ብዝፈጠሮ ዝምድናታት ከኣ፡ ዓቕምታቱ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ገሊጹ።

ዲን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን ዶክተር እስቲፋኖስ ሃይለማርያም ብግደኡ፡ ናጻ ኣቕርቦት ትምህርቲ ንኹሉ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረት ናይ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዝካየድ ጻዕሪ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተመረቕቲ ነዚ ብግቡእ ተገንዚቦም፡ ንስልጣነ ህዝቦምን ዘላቒ ዕብየት ሃገሮምን ብልዑል ተወፋይነት ክሰርሑ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣዘኻኺሩ።

ክልቲአን ኮለጃት፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 11 ግዜአን እየን ኣመሪቐን።

Categories