ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሕማም ዓሶ ንምቁጽጻር፡ ስትራተጂያዊ ውጥን ብምሕንጻጽ፡ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ዓመታት – ኣብ 17 ዓሳው ዝበሃል ንኡሳን ዞባታት ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋኡ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ መሻርኽቲ ተወሃሂዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣባል ቤት-ጽሕፈት ምቊጽጻር ሕማም ዓሶ፡ ኣቶ ኣማን ጐይትኦም፡ ነቲ ዛጊት ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት ብምዕቃብ ናብ ዝበለጸ ደረጃ ንምድያቡ፡ ቀጻሊ ናይ ምክትታልን ምክልኻልን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ጐስጓሳት ይካየዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ብብዝሒ ብዓሶ ዝጥቃዕ ከባቢታት፡ እቶም ቀንዲ ጠንቅታት – ጽሬት ከባቢ ዘይምሕላው፡ ዘይውሑስ ኣጠቓቕማ ናሙስያ፡ ምስ ሓመምካ ብኣጋ ናብ ሕክምና ዘይምኻድን ዝተዋህበካ መድሃኒት ብግቡእ ዘይምውሳድን ከምዘጠቓልሉ ዝሓበረ ኣቶ ኣማን፡ ብኣውራኡ ምጥፋእ ሕማም ዓሶ ኣብ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ከም ዝምርኰስ ኣረዲኡ።

ኣቶ ኣማን፡ ዝኾነ ሰብ ምልክታት ሕማም ዓሶ ምስ ዝስመዖ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ናብ ትካል ጥዕና ክኸይድን ዝተዋህቦ መድሃኒት ብግቡእ ክወስድን ብምልባው፡ ጣንጡ ዝጸፈየቶ እንቋቚሖ ኣብ ውሽጢ 8 መዓልታት ስለዝነቊሕ፡ ሕብረተሰብ ሰሙናዊ ጽሬት ከባቢ ከዘውትር ተላብዩ።

Categories