ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ኤርትራን ሶማልያን፡ ቀዳማይ ርክቡ ትማሊ 14 ነሓሰ ኣብ ከተማ ሞቓዲሾ ኣካዪዱ።

እዚ ድሕሪ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዝቘመ ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኣሕመድ ዒሰ ዓወድን ተመሪሑ እዩ ፈላሚ ርክቡ ኣካዪዱ።

ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኣብ ዓንድታት ናይ’ቲ ብ30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ዝተኸተመ ‘ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’ ተመርኲሱ፡ ኣብ መዳያት ቊጠባ፡ ዲፕሎማሲ፡ ጸጥታን ምክልኻልን ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ ጭቡጣት መበገሲ ስጒምቲታት ተሰማሚዑ።

ኣብ ሪፓብሊክ ሶማልያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብ13 ነሓሰ ሞቓዲሾ ዝኣተወ – ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ተራኺቡ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ርእሲ ምብጻሕ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ኣብ ትግባረ ‘ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’ ቀዳምነት ክወሃቦም ኣብ ዝግባእ ጉዳያትን ዘትዩ እዩ።

ልኡኽ ኤርትራ ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ዓሊ ኸይረ ተቐቢልዎ።

ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

Categories