ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ – 15 ግንቦት፡ “ሓምላይ መሬት – ውሑስ ህይወት” ብዝብል ቴማ፡ ንመበል 12 ግዜኣ ተዘኪራ።

ኣብ’ዚ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስትን ግንባርን ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ ዝተሳተፍዎ መደብ፡ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ናይ መወዳእታ ሸቶ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ልምዕትን ፍርያምን ሃገር ምህናጽ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነዚ ንምትግባር፡ ብመገዲ ምግራብ፡ ምሕዛእ፡ ልምዓት፡ ርትዓዊ ኣጠቓቕማን ቊጽጽርን፡ ሽፋን መሬት ምስሳንን ብርሰት ምጉዳልን ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

ዋና ኣካያዲ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ብግደኡ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ምግራብ፡ ኣከባቢና ዘድልዮ ሽፋን ገረብ ብሓያል ጻዕሪ ንምምላእ መብጸዓና እነሐድሰሉን፡ ዘይሓላፍነታዊ ብርሰት ክዂነን መዘኻኸሪ ዝቐርበሉን ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ዘጋጥም ዘሎ ዘሰክፍ ተርእዮታት ብርሰት ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ብውህደት ክቕጽል ተላብዩ።

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ሓምላይ ወፍሪ ኣቶ ፍጹም ሓጐስ ብወገኑ፡ ብምትሕብባርን ተሳትፎን ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስትን ግንባርን፡ ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ውልቀ-ዜጋታት ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ምግራብ ኣተባባዒ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እናበኣሰ ዝመጽእ ዘሎ መጠን ብርሰት ኣግራብ ግን – እቲ ዝዓበየ ብድሆ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

በቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ትሕዝቶ ሃብቲ ገረብን ሕዛእቲን ዘነጽር ጸብጻብ፡ ተደጋጋሚ ብርሰት ዝርኣየሉ ከባቢታት፡ ብደረጃ ሃገር ዝግበር ንጥፈታት ምግራብን ብድሆታቱን፡ ናይ እምነት ትካላትን ኣብያተ-ትምህርትን ዘሰላስላኦ ዘለዋ ንጥፈታት ምግራብን ውሕስነት ቀጻልነቱን – ዘነጽሩ ጸብጻባት ሓምላይ ወፍሪን ቊጽጽር ኣግራብን እንስሳታት ዘገዳምን ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ንዝካየድ ንጥፈታት ምድላው ፈልሲታት፡ ወፍሪ ምግራብን ናይ ምጽዳቕ መጠንን፡ ቊጽጽራዊ ስራሓትን ሚዛን መቕጻዕትን፡ ቈጠብቲ ጸዓት መሳርሒታት ንምትእትታው ዝካየድ ዘሎ ስራሕን ገስጋሱን ዝምልከት መብርሂታት ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ንኽብሪ’ታ ዕለት ሰበ-ስልጣንን መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ምግራብ ንጥፈታት ከካይዱ እንከለዉ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብነታዊ ስራሕ ዘበርከቱ 88 ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ድማ ሽልማት ተዓዲሎም።

እቲ መደብ፡ ጉጅለ ባህሊ ህጻናት ‘ፍዮሪና’ ብዘቕረበቶ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ተሰንዩ ነይሩ።

Categories