ኣብ ከተማ ኣስመራ – ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ብኣስታት 9.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝተሃንጸ ኮማዊ መዘናግዒ ማእከል – ‘ኬርታ’፡ ብ30 ታሕሳስ ተመሪቑ።

እቲ ብኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ዝተመረቐ ማእከል፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምዝንጋዕ ዝተዋደደሉ ኮይኑ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ብዝሰርሕ መብራህቲታትን ዓንበብቲ ኣትክልትን ዘጌጸ እዩ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ማእከል ኢንጂነር ተስፋኣለም ወልደሚካኤል፡ እቲ ኣብ 7140 ትርብዒት ሜተር ዝተደኰነ መዘናግዒ ማእከል፡ ብኹሉ ሸነኻቱ ኣብ ርእሲ’ቲ ነቲ ከባቢ ሂብዎ ዘሎ ግርማ፡ ንስድራ-ቤታዊ ምዝንጋዕ ኣዝዩ ምቹእ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ዕዳጋ ሓሙስ ወይዘሮ ሳሊሓ መሓመድ-ዓሊ ድማ፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ቦታ ናብ ምዕሩግ ኮማዊ መዘናግዒ ንምቕያሩ ዝተወስደ ተበግሶ ንምቅልጣፍን ንምዕዋትን፡ ነበርቲ ንዘርኣይዎ ውህደትን ተወፋይነትን ሞጒሳ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ ስራሕ ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ካብ ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ወረቐት ምስክር ተቐቢሎም።

‘ኬርታ’፡ ኣብ ከባቢ ባረንቱ ዝርከብ – ኣብ 1985 ሰራዊት መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተደምሰሰሉ ስትራተጂካዊ ቦታ እዩ።

Categories