ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ – ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ- ክርስትያን ኤርትራ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ንመእመናን ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ቡራኬኦም፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ መእመናን፡ ኣብ ምሕላው ወሰናስን ሃገርን ልምዓትን ተዋፊሮም ንዘለዉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ንዝርከቡ ሕሙማት፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ “እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ኣብቅዓኩም” ኢሎም።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ከም’ቲ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍትና ዘሎ፡ ብዘይግብዝና ክንፋቐር፡ ንኽፍኣት ክንፍንፍና፡ ንሰናይ ክንሕዝ፡ ኣብ ንሓድሕድና ምዉቕ ፍቕሪ ኣሕዋት ክህልወና፡ ንዝተሸገሩን ንስኡናትን ክነማቕል፡ ንጽጉማት ክንሕግዝ፡ ንስድራ ስዉኣት ድማ ክንጥውር ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶም።

ንሶም ኣስዒቦም፡ በዓል ልደት በዓል ፍቕርን ሰላምን፡ በዓል ሓድነትን ስምረትን ክዀነልና ሰናይ ምንዮቶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ህዝቢ – ሓድነቱ ዓቂቡ ኣብ ኩሉ ዝካየድ ልምዓታዊ ስርሓትን ምኽባር ልኡላዊነት ሃገርን ኢዱ ሰብሲቡ ክሳተፍ ኣዘኻኺሮም።

Categories