Author - Staff

ማይ-ድማ – ኣብ ምዕባለ ከተማን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎትን ተዘትዩ

ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ሓውሲ-ከተማ ማይ-ድማ፡ ናብ ምዕባለ ከተማን ምምሕዳራዊ ኣገልግሎትን ዝቐንዐ ዘተ ወዲቡ። ኣብ’ቲ ነበርትን ኣባላት ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዓረዛን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ኣመሓዳሪ ሓውሲ-ከተማ ማይ-ድማ ኣቶ መሓሪ ኣልኣዛር፡ ኣብ 2019 ናይ ዝተተግበረ...

መስመር ነፋሲት-ባጽዕ ይጽገን ኣሎ

ኣብ መስመር ነፋሲት-ባጽዕ ዝካየድ ዘሎ ጽገናታት ጽርግያን ድንድላትን፡ ኣብ ምክልኻል ሓደጋታትን ሳዕቤናቱን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ፡ በቲ መስመር ዝመላለሱ መራሕቲ መካይን ሓቢሮም። ብሰንኪ ምብልሻው እቲ መስመር፡ ኣብ ሰብን ተሽከርከርቲን ቀሊል ዘይኮነ ጉድኣት ክወርድ...

ቀዳማይ ገጽ ህንጸት ጽርግያ ዓዲጓዕዳድ – ኣቑርደት ጽቡቕ ይቕጽል

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዝተጀመረ – ቀዳማይ ገጽ ህንጸት ስትራተጂያዊ ጽርግያ ዓዲ-ጓዕዳድ-ኣቑርደት ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ነቲ ፕሮጀክት ዝቈጻጸር ዘሎ – ካብ ሚኒስትሪ ህንጻ መሃንድስ ሳምሶን ተስፋይ ገሊጹ። ካብ ሓበላ ክሳብ ጨዔታት...

ማእከል – ንሽማግለታት ተሃድሶን ልምዓትን ስልጠና ተዋሂቡ

ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ማእከል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት በሪኽ፡ ጋላ-ነፍሒን ሰረጀቓን ንዝነጥፉ ኣባላት ሽማግለታት ኮም ዝሰረቱ ተሃድሶን ልምዓትን፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ስልጠና ወዲቡ። ብ20 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣብ ዝተኻየደ ስልጠና፡...

ልዕሊ 100 ዓመት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ዓድታት ሊባንን ሓበላን ብዕርቂ ደቂሱ

ኣብ መንጎ ዓድታት ሊባንን ሓበላን፡ ብሰንኪ ናይ ሕርሻን መጋሃጫን መሬት – ን118 ዓመታት ዝቐጸለ ምስሕሓብ፡ ብ22 ለካቲት ኣብ ትንሽኣይ – ንኡስ ዞባ መንሱራ ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ብዕርቂ ደቂሱ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ነበርቲ...

Login

Categories