Layout A (with pagination)

ከረን – ገስጋስን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ተገምጊሙ

“ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ርብዒ ዘመን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዘመዝገባኦ ዓወታት፡ ዘጋጠመን ብድሆታትን ዝተራእየ ድኽመታትን ዝግምግም ዋዕላ፡ ብ16 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ። ኣብ’ቲ ልዕሊ 350 ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ንዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ገስጋስን ብድሆታቱን ዘብርሁ – ሸውዓተ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ...

Read More
ባጽዕ – ኣብ ምሕያል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተዘትዩ

ባጽዕ – ኣብ ምሕያል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተዘትዩ

ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ባጽዕን ወከልቲ ነበርቲ’ታ ከተማን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምድንፋዕ ክካየድ ኣብ ዘለዎ ንጥፈታት ዘትዮም። ኣብ ምግራብ፡ ጽሬት ከተማን ኣገልግሎት መጓዓዝያን – ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ዘይሕጋዊ ኣባይትን ሳዕቤናቱን፡ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ርክብ ብዕምቈት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ምዃኖም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝተኻየደ ንጥፈታት ምግራብ ደሓን ውጽኢት...

Read More

ኣብ ልዕሊ ኣብረስቲ ኣግራብ ‘ቀጻዒ ስጉምቲ’ ክውሰድ ይሕተት

በዓል-መዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ተራ ህዝቢ በብከባቢኡ ክዓዝዝ ጸዊዑ። እቲ በዓል-መዚ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፡ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዝነጥፋ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን መናብረን ብምንቃል፡ ከምኡ’ውን ብናይ ጽዕነት መካይን ናብ ከተማ ኣስመራ ክኣቱ ዝፈተነ ጥሉል ዕንጸይትን ፈሓምን ኣብ ዝሓዘሉ ኣጋጣሚ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተታሕዘ ዕንጸይትን...

Read More

Login

Categories