በዓል-መዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ተራ ህዝቢ በብከባቢኡ ክዓዝዝ ጸዊዑ።

እቲ በዓል-መዚ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፡ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዝነጥፋ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን መናብረን ብምንቃል፡ ከምኡ’ውን ብናይ ጽዕነት መካይን ናብ ከተማ ኣስመራ ክኣቱ ዝፈተነ ጥሉል ዕንጸይትን ፈሓምን ኣብ ዝሓዘሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

እቲ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተታሕዘ ዕንጸይትን ፈሓምን፡ ካብ ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ደቡብን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣስመራ ክኣቱ ዝፈተነ ምዃኑ፡ ሓላፊ ጨንፈር ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዞባ ማእከል፡ ካፕተን ይርጋው ካሕሳይ ሓቢሩ።

ገለ ስሱዓት ነጋዶ፡ ብለይቲ ንመቈጻጸሪ ቦታታት ብምጥሓስን ካልእ ሕቡእ መንገድታት ብምጥቃምን – ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፈሓምን ዕንጸይትን ናብ ኣስመራ ከእትዉ ይፍትኑ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣባላት ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ምስ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ተወሃሂዶም፡ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቊጽጻር ንምውዓል ይጽዕሩ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ነቲ ተርእዮ ዛጊት ክግታእ ካብ ዘየኽኣሉ ምኽንያታት ሓደ፡ እቲ ንገበነኛታት ዝወሃብ ፍርዲ፡ ምስ’ቲ ዝረኽብዎ ረብሓታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ፈኲስ ስለዘሎ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ዳግም ክኽለስን ቀጻዒ ክኸውንን ኣዘኻኺሩ።

Categories