ERi-TV Arabic news from Eritrea for November 22, 2017
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
“ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ርብዒ ዘመን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ደቂ- ኣንስትዮ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝሓለፈ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዘመዝገባኦ ዓወታት፡ ዘጋጠመን ብድሆታትን ዝተራእየ ድኽመታትን ዝግምግም ዋዕላ፡ ብ16 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ተቓኒዑ። ኣብ’ቲ ልዕሊ 350 ተሳተፍቲ ዝተረኽቡሉ ዋዕላ፡ ካብ 1991 ክሳብ 2016 ንዝነበረ ኩሉ-መዳያዊ ገስጋስን ብድሆታቱን ዘብርሁ – ሸውዓተ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም። ዋና ዳይረክተር ክፍሊ...
ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ባጽዕን ወከልቲ ነበርቲ’ታ ከተማን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምድንፋዕ ክካየድ ኣብ ዘለዎ ንጥፈታት ዘትዮም። ኣብ ምግራብ፡ ጽሬት ከተማን ኣገልግሎት መጓዓዝያን – ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ዘይሕጋዊ ኣባይትን ሳዕቤናቱን፡ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ርክብ ብዕምቈት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ምዃኖም፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ፡ ኣብ’ታ ከተማ ዝተኻየደ ንጥፈታት ምግራብ ደሓን ውጽኢት...
በዓል-መዚ ምቊጽጻር ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብርሰት ኣግራብ ንምግታእ ዝካየድ ጻዕሪ ኣድማዕነት ክህልዎ፡ ተራ ህዝቢ በብከባቢኡ ክዓዝዝ ጸዊዑ። እቲ በዓል-መዚ ነዚ ጻውዒት’ዚ ዘቕረበ፡ ጸልማት ጉልባብ ብምግባር፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንዝነጥፋ ኣውቶቡሳትን ሚኒባሳትን መናብረን ብምንቃል፡ ከምኡ’ውን ብናይ ጽዕነት መካይን ናብ ከተማ ኣስመራ ክኣቱ ዝፈተነ ጥሉል ዕንጸይትን ፈሓምን ኣብ ዝሓዘሉ ኣጋጣሚ’ዩ። እቲ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝተታሕዘ ዕንጸይትን...
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ንምብራኽ ዝያዳ ጻዕርታት ከምዘድሊ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ-ትምህርቲ ውጽኢት ንምግምጋም ብ16 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ተገሊጹ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርቲ መምህር መስፍን ወልደስላሰ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2016/2017 ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ልዕሊ 13 ሽሕ ተመሃሮ፡ 64 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓለፉ ብምሕባር፡...