ERi-TV Tigre News from Eritrea for December 1, 2017
Share this:Click to share on Twitter (Opens in new window)Click to share on Facebook (Opens in new window)
Layout A (with pagination)
To access this post, you must purchase Subscribe to ERi-TV & Radio Live Streaming.
ሃማደኤ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ 2017 ንዘሰላሰሎም ንጥፈታት ብምግምጋም፡ ናይ 2018 ውጥን ስራሕ ሓንጺጹ። ኣብ’ቲ ካብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ዝተወከላ ኣባላት ዝተረኽባሉ ኣኼባ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውዳበ ደሓን ዝኾነ ንጥፈታት ከምእተኻየደ ክግለጽ እንከሎ፡ ውዳበታት ንምስፋሕን ንምድንፋዕን ብዝበለጸ ክስራሕ፡ ጥዕናን ዕብየትን ደቂ-ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ትምህርትን ምግታእ ሃሳዪ ልምድታትን ብዝለዓለ ክድፋእ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ። ንኡሳን ዞባታት...
ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበ፡ ኣብ ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ብሓፈሻ፡ ምውጋድ ጐዳእቲ ልምድታት ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ብ25 ሕዳር ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ኣባላት ሽማግለ መሰላት ቈልዑ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ወከልቲ ባይቶ፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወከልቲ ሚኒስትሪታትን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ኣሃዱ መሰላት ቈልዑ ኣቶ ሙሴ...
ዒድ መውሊድ ኣ’ነበዊ ኣ’ሸሪፍ፡ ትማሊ 30 ሕዳር ኣብ መላእ ሃገር ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተባዒሉ። ኣብ ኣስመራ – መስጊድ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ረሞዳን ዑስማን ኣውልያይ፡ ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣምባሳደራትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናንን ተሳቲፎም። ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ንመላእ...