ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ዞባ ዓንሰባ ዝተወደበ፡ ኣብ ድሕነትን መሰላትን ቈልዑ ብሓፈሻ፡ ምውጋድ ጐዳእቲ ልምድታት ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ ብ25 ሕዳር ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣባላት ሽማግለ መሰላት ቈልዑ ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ወከልቲ ባይቶ፡ ሃገራውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ

ሃይማኖት፡ ወከልቲ ሚኒስትሪታትን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ኣሃዱ መሰላት ቈልዑ ኣቶ ሙሴ ሓድሽ፡ ማሕበራዊ ድሕነት ብምርግጋጽ፡ ግቡኣትን መሰላትን ቈልዑ ንምውሓስ ዕቱብ መደባት ይትግበር ከምዘሎ ጠቒሱ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ እትነጥፍ ሽማግለ መሰላት ቈልዑ፡ ነዚ ጉዳይ ዓቢ ኣቓልቦ ሂባ ክትሰርሓሉን ወርሓዊ ርክባትን ገምጋማትን ከተካይድን ኣዘኻኺሩ።

ክኢላ ድሕነት ቈልዑ ኣቶ ዮናስ ኣርኣያን ሓላፊ ኣሃዱ ተሃድሶ ተናበይቲ ጐደናን ግጉያት ትሕቲ ዕድመን ኣቶ ክብረኣብ ተኸስተን ብወገኖም፡ ጠንቅታት ዝኽትምና ድሕሪ ምዝርዛር፡ ንምግታኡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ይነጥፈሉ ከምዘሎ ገሊጾም።

ተሳተፍቲ፡ ሽማግለ መሰላት ቈልዑ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ሳዕቤናት መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዘይተደልየ ጥንስን፡ ከምኡ’ውን ሳዕቤናት ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ ንምግታእ፡ ውህደት ዝምልከተን ኣካላት ንምዕዛዝ ኣብ ዘኽእል ዛዕባታት ተመያዪጦም።

ሽማግለታት መሰላት ቈልዑ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ 42 ንኡሳን ዞባታት፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ድማ ኣብ 8 ንኡሳን ዞባታት ቈይመን ከምዘለዋ፡ ሰነዳት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን የረድእ።

Categories