Author - Staff

ደ/ቀ/ባሕሪ – ዕዉት መደብ ክታበት ከም እተተግበረ ተገምጊሙ

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር 2019 ዝተኻየደ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ጸረ-ሕማም ኣንቅጺን ዕደላ ቫይታሚን ‘ኤ’ን፡ ብ14 ለካቲት ኣብ ከተማ ዓሰብ ተገምጊሙ። ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣቶ ኣሰፋው ነጋሲ፡ ሳላ ዕዙዝን ንቑሕን ተሳትፎ...

ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ቻይና፡ ብዛዕባ ‘ኮሮና ቫይረስ’ ደሃይ ገይሮም

ኣብ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ናይ ድሕረ-ምረቓ ትምህርቲ ዝከታተሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተመሃሮ፡ ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘለዉን፡ ብለበዳዊ ሕማም ‘ኮሮና ቫይረስ’ ዝተለኽፈ ከምዘየለን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ’ታ መበገሲት እቲ ሕማም ምዃና...

ሚ/ጸዓትን ማዕድንን፡ ን70 ኣባላቱ ስልጠና ወዲቡ

ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም 70 ነባራትን ሓደስትን መሃንድሳት፡ ትማሊ 18 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ። እቲ ብግብሪ ዝተሰነየ ስልጠና፡ ኣብ ውጥን ቀረብ ጸዓት፡ ምስፋሕ ቀረብ ጸዓትን ተተካኢ ጸዓትን ዘተኰረ እዩ። ኣብ ሚኒስትሪ...

ኣብ ዓድታት ተማጅላን ዛውልን መሬት ጤሳ ተዓዲሉ

ኣብ ተማጅላን ዛውልን – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ንዘማልኡ 357 ተወለድቲ – ብ14 ለካቲት መሬት ጤሳ ተዓዲሉ። ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ መሓሪ ተኽለ ኣብ ዝሃቦ...

ኲዕታ ‘ፕሮጀክት ኣዱሊስ’ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ

ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ዝሰላሰል ዘሎ ዳህሳስን ኲዕታን ዘጠቓልል ‘ፕሮጀክት ኣዱሊስ’ ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ሓላፊ ጨንፈር ስነዳን ምርምርን ጥንታዊ ውርሻ ዶክተር ጸጋይ መዲን ሓቢሩ። ካብ 17 ጥሪ ክሳብ 13...

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ንጉስ ሳልማንን፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድና ተመያይጦም

ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ – ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ወግዓዊ ኣቀባብላ ገይሩ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ንጉስ ሳልማን...

Login

Categories