Layout A (with pagination)

ሰ/ቀ/ባሕሪ – ገስጋስን ብድሆታትን ደቂ-ኣንስትዮ ተገምጊሙ

ሃማደኤ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቂ-ኣንስትዮ’ቲ ዞባ ኣብ ኩሉ መዳያት ዘመዝገባኦ ዓወታትን ዝተሓልፈ ብድሆታትን ብምግምጋም፡ ናይ መጻኢ ውጥናት ንምስኣል ዝሕግዝ ዓወደ-ዘተ ኣካይዱ። እቲ፡ “ምዕባለ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ21 ሕዳር ኣብ ባጽዕ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፡ ንዘሎ ሕጽረታት ብግቡእ ኣለሊኻ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ቈላሕታ ክግበረሉ ዘድሊ መዳያት ንምፍላጥን ንዓኡ ዝሕግዝ ባይታ ንምጥጣሕን እውን ዝዓለመ...

Read More

ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣካይዶም

ኣብ ኤውሮጳ፡ ሕ.መ.ኣን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ብመሰረት’ዚ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡ ኣብ ፍራንክፈርት – ናይ ቦርድን ኣካየድቲ ኣካልን ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣኼበኛታት፡ ኣብ ምውዳብ ተካእቲ ወለዶታትን፡ ምንጽብራቕ ሓቀኛ ምስሊ ሃገርን ብዝሓየለ ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን። ብተመሳሳሊ፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡...

Read More

‘ሓራት’፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ጻዕርታቱ የሐይል

ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ብዘለዋ 370 ኣውቶቡሳት – ን75 ሚእታዊት ካብ ዓድታት ሃገርና ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ደረጃ ከምእተበጽሐን፡ ሓላፊ’ቲ ኩባንያ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ ጸሃየ ገሊጹ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ገዚፍ ወፍሪ ዝገብረሎም ዘሎ ጽላታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ፡ ኩባንያ ሓራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል 51፡ ደቡብ 56፡...

Read More

ኣብ ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ ፕሮጀክት ማይ ተመሪቑ

ኣብ ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብ20 ሕዳር ተመሪቑ ኣገልግሎት ጀሚሩ። ኣብ ክፍሊ ሃብቲ ማይ ሓላፊ ኦፐረሽንን ጽገናን ኣቶ ርእሶም ተኽለማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ዒላ፡ ምትካል ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ካብ ዒላ ናብ ባስካ እትጭንጒዕ ፖምፓ፡ ምዝርጋሕ 870 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሻምብቆታት ማይ፡ 50 ሽሕ ሊትሮ ዝሕዝ ባስካን ሓንቲ መዐደሊት ነቚጣን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።...

Read More
ዘራእቲ ሕርሻ ከታይ ብወፈራ ይእከብ ኣሎ

ዘራእቲ ሕርሻ ከታይ ብወፈራ ይእከብ ኣሎ

ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ኣብ ከታይ – ከባቢ ኦምሓጀር ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ፡ መሸላ ናይ ምጉናእ ወፈራታት ኣካዪዶም። ሓላፊ’ቲ ሕርሻ መንእሰይ ኣሕመዲን ኣልኣሚን፡ ሎሚ ዓመት ኣስታት 3,200 ሄክታር መሸላ፡ ብልቱግን ስምስምን ከምእተዘርአ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝወቕዐ ደሓን ዝኾነ መጠን ዝናብ ድማ ተመጣጣኒ እቶት ክሓፍሱ ትጽቢት...

Read More

Login

Categories