ኣብ ኤውሮጳ፡ ሕ.መ.ኣን ደቡብ ሱዳንን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኣሰላሲሎም። ብመሰረት’ዚ፡ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡ ኣብ ፍራንክፈርት – ናይ ቦርድን ኣካየድቲ ኣካልን ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣኼበኛታት፡ ኣብ ምውዳብ ተካእቲ ወለዶታትን፡ ምንጽብራቕ ሓቀኛ ምስሊ ሃገርን ብዝሓየለ ከምዝሰርሓ ኣረጋጊጸን። ብተመሳሳሊ፡ ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ዞባ ኤውሮጳ፡ ካብ 10 ክሳብ 12 ሕዳር፡...
Layout A (with pagination)
ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎን፡ ኣብ ንጡፍ ስራሕ ብዘለዋ 370 ኣውቶቡሳት – ን75 ሚእታዊት ካብ ዓድታት ሃገርና ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ደረጃ ከምእተበጽሐን፡ ሓላፊ’ቲ ኩባንያ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ ጸሃየ ገሊጹ። ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ሓደ ካብ’ቶም መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ገዚፍ ወፍሪ ዝገብረሎም ዘሎ ጽላታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ብሪጋደር ጀነራል ብርሃነ፡ ኩባንያ ሓራት፡ ኣብ ዞባ ማእከል 51፡ ደቡብ 56፡...
ኣብ ሓድሽ ዓዲ-ሓደግቲ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ፕሮጀክት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብ20 ሕዳር ተመሪቑ ኣገልግሎት ጀሚሩ። ኣብ ክፍሊ ሃብቲ ማይ ሓላፊ ኦፐረሽንን ጽገናን ኣቶ ርእሶም ተኽለማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት፡ ምዂዓት ዒላ፡ ምትካል ልዕሊ ሓሙሽተ ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ናውቲ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ካብ ዒላ ናብ ባስካ እትጭንጒዕ ፖምፓ፡ ምዝርጋሕ 870 ሜትሮ ዝንውሓቱ ሻምብቆታት ማይ፡ 50 ሽሕ ሊትሮ ዝሕዝ ባስካን ሓንቲ መዐደሊት ነቚጣን ከምዘጠቓልል ሓቢሩ።...
ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ተሰነይን ጎልጅን ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፡ ብኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ኤርትራ ኣብ ከታይ – ከባቢ ኦምሓጀር ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ፡ መሸላ ናይ ምጉናእ ወፈራታት ኣካዪዶም። ሓላፊ’ቲ ሕርሻ መንእሰይ ኣሕመዲን ኣልኣሚን፡ ሎሚ ዓመት ኣስታት 3,200 ሄክታር መሸላ፡ ብልቱግን ስምስምን ከምእተዘርአ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝወቕዐ ደሓን ዝኾነ መጠን ዝናብ ድማ ተመጣጣኒ እቶት ክሓፍሱ ትጽቢት...
ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ምሕላብ – ንኡስ ዞባ ገለብ፡ ፋሕ ኢለን ዝነበራ ዓድታት ድሕሪ ምጥርናፈን፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተማሊኡለን። ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ሓምድ ኣስፈዳይ፡ ዓድታት ገርበት፡ ኖረት፡ ኮረራን ባብሓሪሽን ኣብ ምሕላብ ብምጥርናፈን፡ 5 ነቝጣታት መዐደሊ ማይ፡ ካብ መዋእል ህጻናት ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ዝተዘርግሓ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን መደበር ጥዕና ተዋዲዱለን ርጉእ ህይወት ይመርሓ ከምዘለዋ ሓቢሩ።...