Layout A (with pagination)

ከረን – መንእሰያት ብዝተፈላለየ ሞያ ሰልጢኖም

ኣብ ከተማ ከረን፡ 56 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 132 መንእሰያት፡ ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ሰልጢኖም። እቶም ንሰለስተ ኣዋርሕ ብደረቕን ተንቀሳቓስን ስእሊ፡ ጽገና ኮምፕዩተር፡ ቪድዮ ኤዲቲን፡ ምትካል ሶላር፡ ስነ- ጽባቐ ጸጒሪ ርእሲን ካልእን ዝሰልጠኑ መንእሰያት፡ ትምህርቶም ዛዚሞም ብ24 ሕዳር ተመሪቖም። እቲ ስልጠና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓቕምታት መንእሰያት ንምጒልባት በብእዋኑ ክሰላሰል ዝጸንሐ መደባት ምዃኑ፡ ሓላፊ ሃማመተኤ ዞባ ዓንሰባ መንእሰይ...

Read More
ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይምነ ብደገፍ ማሽነሪታት ይጽገን ኣሎ

ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይምነ ብደገፍ ማሽነሪታት ይጽገን ኣሎ

ናይ ሓመድ ጽርግያ እንዳገርግስ – ማይምነ፡ ብምውህሃድ ሃገራውያን ኩባንያታትን ህዝባዊ ሰራዊትን ብደገፍ ማሽነሪ ይጽገን ኣሎ። እዚ ቀንዲ መትኒ መጓዓዝያ ህዝቢ ንኡስ ዞባ ማይ-ምነ ዝኾነ – 41 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መስመር፡ ንነዊሕ ዓመታት ሓፈሻዊ ጽገና ከይተገብረሉ ብምጽንሑ፡ ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ንጥፈታቶም ማሕንቖ ኮይኑ ከምዝጸንሐ እዮም ነበርቲ ገሊጾም። ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ተኽለ ተስፋሚካኤል፡ እቲ ዝተወጠነ መደብ ኣብ...

Read More
ባጽዕ – ፖሊስ ምስ ነበርቲ ርክብ ኣካዪዱ

ባጽዕ – ፖሊስ ምስ ነበርቲ ርክብ ኣካዪዱ

ኣብ ከተማ ባጽዕ፡ ኣፍልጦ ሕጊ ክብ ብምባል ምትሕብባር ነበርቲ ምስ ፖሊስ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኣኼባ ተኻዪዱ። ኣዛዚ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ከተማ ባጽዕ ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብጽቡቕ ስነ-ምግባሩ ዝልለ ዜጋ መሰረቱ ኣብ ስድራ-ቤት ምዃኑ ጠቒሱ፡ እዚ ክዕቀብን ሓደ-ሓደ በከልቲ ተርእዮታት ብኣጋኡ ንምውጋድን፡ ምዕባይ ንቕሓት ኣብ ሕጊን ምትሕብባር ምስ ፖሊስን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኩነታት ከባቢኻ ብጥብቂ ምክትታልን ውላድካ ዘርእዮ...

Read More

ማእከል – ትግባረ ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ ተጀሚሩ

ሓድሽ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ካብ 15 ሕዳር ተግባራዊ ኮይኑ ምህላዉ – ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዋና ዳይረክተር ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ብርሃነ ነጋሽ ሓቢሩ። ዕላማ ናይ’ዚ መምርሒ፡ ብቐንዱ ነቲ ብዘይ ሞራላውን ሕጋውን ኣገባብ እናነሃረ ክመጽእ ዝጸንሐን ኣብ መነባብሮ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተ- ሰብና ጸቕጢ ዝፈጥር ዘሎን መጠን ክራይ ንምቊጽጻር ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ብርሃነ፡ ኣካረይቲ’ውን ርትዓዊ ኣታዊ ንኽህልዎም ኣብ ግምት ኣትዩ...

Read More

Login

Categories