ERi-TV, Eritrea – ዕላል ጥበባት፡ ዕላል ምስ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ዓቢ ቁምነገር ዝገበረ ብሉጽ ሙዚቀኛ ብርሃነ ወልደኣብ (ብርሃነ ኳየር) | Interview with musician Berhane Woldeab

“ስነ ጥበበኛ ብርሃነ ወልደኣብ፡ ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝገበረ ሙዚቀኛ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣባበን ኣመሪካን ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ጌሩ።ብርሃነ ኳየር እዩ ዝብሃል። ኢትዮጵያዉያን ሙዚቀኛታት ኳየር ኣብ ዘይፈልጥሉ ዝነበሩ እዋን ብኣርባዕተ ደሃያት ውህደት ሙዚቃ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ እታ ቅጽል ሂቦሞ። ነታ እንግሊዝኛ ጥራይ ትደርፍ ዝነበረት ኣስቴር ኣወቀ፡ ንፍዕቲ ሙዚቀኛ ክትከውን ዝደረኻን ቀዳመይቲ ኣልቡም ኣቀናቢሩ ዓቢ ተቐባልነት ክትረክብ ዘኽኣላ ሙዚቀኛ ምዃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት መስኪራትሉ። ኣላማዬ እሸቴ፡ ጸሃዬ ዮሃንስ፡ መስፍን ኣበባ፡ ኣበበ ኣየለን ካልኦትን ከኣ ናቱ ምውህሃድ ሙዚቃ ካብ ዘድንቑ ሙዚቀኛታት እዮም። ንሰውራ ዝወፈያ ናይ ጣዕመ ሙዚቃ’ውን ሓንቲ ካብ ነበርቲ ፍርያቱ እያ።” ተስፋኣለም ገብረስላስ (Tesfalem Gebreslaseie)

Categories