Archive - December 2017

መንደፈራ – ትግባረ መምርሒ ክራይ ኣባይቲ ይቀላጠፍ

ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ ውዕል ክራይ ናይ ግሊ ኣባይቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ በብምምሕዳር ከባቢኡ ናይ ኣካራይን ተኻራይን ቅጥዒ ናይ ምምላእ መስርሕ ተጀሚሩ። ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ክራይ ኣባይቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ...

መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ኣስመራ – ካይሮን ሚላኖን በረራ ጀሚሩ

መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ መስመራት በረራኡ ንምስፋሕ ብዘውጸኦ መደብ መሰረት፡ ካብ 9 ታሕሳስ 2017፡ ካብን ናብን ኣስመራ – ካይሮን ሚላኖን ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ። ሓላፊ ንግዲ ናይ’ቲ መገዲ ኣየር ኣቶ ገብረትንሳኤ ጴጥሮስ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ...

ሳዋ – ንመማህራንን ኣለይትን ጥዕናዊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

  ኣብ ሳዋ፡ ንመማህራንን ኣለይትን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣብ ምክልኻልን ኣገባብ ኣፈዋውሳን ሕማማት ብሓፈሻ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ንህልው ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ኣብ ሃገርናን ኣብ ምግታኡ ዝተመዝገበ ዓወትን...

በሪኽ – ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ትግባረ መደባት ተሞጒሱ

ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ኣብ 2017 ዝተወጠኑ መደባት፡ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ብኣድማዕነት ከምእተሰላሰሉ፡ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ጻዕዳ- ክርስትያን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ህዝብን ምምሕዳርን ተገምጊሙ። ኣመሓዳሪት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ልኡል...

ኣብ ደ/ቀ/ባሕሪ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ ተኻይዱ

ምምሕዳር ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናይ ዘካየዶም ስራሓት ዝግምግም ርክብ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣካይዱ። ኣብቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ጨናፍር ሚንስትሪታት ሓለፍቲ ህግደፍን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ገምጋም፡ መደባት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕሪሻ፡ ቱሪዝም፡ ንግዲ፡...

ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተተኺሉ

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልምዓት ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውሓስ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ – ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ- ዋት ጸዓት ኤለክትሪክ ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ። ኣካያዲ ስራሕ ነቲ መደበር ዝሃነጸ...

Login

Categories