ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዓርቢ ምሸት 16 መስከረም፡ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹ ቢንግ ተቐቢሉ፡ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ተመያዪጡ።

ኣብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ደንደን ዝተገብረ ዘተ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዚ ምብጻሕን ዘተን እዚ፡ ተወሳኺ ስጉምቲ ኣብ ምድልዳል ስትራተጅያዊ ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነዚ ስትራተጅያዊ ዝምድና ንምምዕባል፡ ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ፡ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣምባሳደር ሹ ቢንግን ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣተኲሮም ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፡ ተጀሚሩ ዘሎ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ቀንዲ ቀዳምነታት ኤርትራ ንምዕባይ፡ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምትታት ተመያዪጦም።

እዚ ልምዓታዊ ምትሕግጋዝ፡ ብመንጽር ዞባዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር ክጥመት ከምዘለዎ እውን ተዘራሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዝመጽእ ወርሒ ዝካየድ ጉባኤ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ዓለማዊ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምርግጋጽ፡ ምሉእ ዓወት ተመንዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣመኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወትን፣ ብወገን ቻይና ድማ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ካይ ጌ ተረኺቦም ነይሮም።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጕዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹ ቢንግ ንኤሪና
ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስትራተጂያዊ ዝምድናን ምሕዝነትን ኤርትራን ቻይናን ንምድልዳል በቲ ሓደ፣ ቅሩብነት ቻይና ንምርግጋጽ ሰላምን ምዕባለን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ በቲ ካልእ፡ ቀንዲ ዕላማ ዑደቱን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝገበሮ ዘተን ምዃኑ ገሊጹ።

“ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ሹ፡ ሃገራት’ዚ ዞባ ብዝተፈላለዩ ጠንቅታት ኣብ ግጭት ከምዝጸንሓ ብምጥቃስ፡ ነዚ ናብ ናይ ሰላም፡ ርግኣትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ሃዋሁ ንምቕያር ኩለን ሃገራት ብሓባር ንኽሰርሓ፡ ቻይና ሃናጺ ተራኣ ክትጻወት ቅርብቲ ምህላዋ ኣረጋጊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹ ቢንግ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት’ውን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕን ርክብን ኣካዪዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

Categories