መበል 19 ነበርቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ “ንያትና፡ ናጻ ሕርያና!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ23ን 24ን ሓምለ – ኣብ ከተማ ሎንደን ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ተኻዪዱ።

ካብ ኩለን ከተማታት ብሪጣንያ ዝመጽኡ ኣሽሓት ዜጋታትን ዕድመ ዝተገብረሎም መሓዙት ኤርትራን ዝተረኽቡሉ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ብናይ ክብሪ ዕዱም – ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን እዩ ተኸፊቱ።

ኣቶ ሃብተኣብ፡ ብዕዱማት ኣጋይሽ ተሰንዩ፡ ብተሳተፍቲ ከተማታትን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተዳለወ ዝተፈላለየ ባህላዊ፡ ስነ-ጥበባውን ንግዳውን ትሕዝቶታት ዝሓቘፈ ቁሸታት ተዓዚቡ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ንተሳተፍቲ ብሓፈሻ ፈስቲቫል ንምዕዋት ንዝጸዓቱ ድማ ብፍላይ ኣመስጊኑ።

ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ድሕሪ’ቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ እገዳታት ለበዳ ‘ኮቪድ-19’፡ ብኣካል ብምርኻብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ እዚ መኣዲ ሃገራዊ ምትእኽኻብ እዚ፡ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ዜጋታት ምስ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለዎም ምትእስሳር መሊሱ ዘትርርን ኩለንትናዊ ኣበርክቶኦም ዘበርኽን ከምዝዀነ ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ንመደባት ጥሙር መኸተ፣ ኩነታት ሰላም፡ ምሕዝነትን ሽርክነትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተራ ኤርትራን፣ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጐረባብታን ኪንዮኡን፣ ቀዳምነታት ሃገራዊ መደባት ልምዓትን ተራ ዜጋታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን፣ ተራ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፣ ኣብ ዞባና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ኣመታቱን ዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ድማ መሊሱ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ እውን፡ “ተራ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማት ኣብ ምዕዋት እዋናውያን መደባት ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ንተሳተፍቲ መግለጺ ሂቡ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ዝተፈላለያ ጉጅለታት ባህሊ ብዘቕረባኦ መሰናድኦታት ከምዝደመቐ ተሓቢሩ።

Categories