ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዝነበረ ዋሕዲ መማህራን ፍታሕ ብምርካቡን ሓደስቲ ዝተመደቡ መማህራን ብተወፋይነት ስለዝሰርሑን፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 ዕዉት ስራሕ ከምእተዓመ፡ ብ23 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ገምጋም፡ ኣብ መባእታ 94.2 ሚእታዊት፣ ኣብ ማእከላይ ደረጃ 81 ሚእታዊት፣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 78 ሚእታዊት ተመሃሮ ከምዝሓለፉ ተሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ዘለዋ ክልተ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ምስ ዘሎ ብዝሒ ተመሃሮ እኹላት ስለዘይኮና፡ ኣብ ኮርባርያን ጉራዕን ዝርከባ ናይ ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናብ ካልኣይ ደረጃ ዝዓብያሉ ኩነታት ክፍጠር እውን ለበዋ ቀሪቡ።

ሓላፊ ኣሃዱ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ዓንዶም ዘሚካኤል፡ ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ – ኣተባባዒ ዓወት ከምእተመዝገበ ድሕሪ ምሕባር፡ ቀጽሪ ዘይብለን ኣብያተ-ትምህርቲ ክስራሓለን፣ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ድማ ቈላሕታ ክግበረሉ ተላብዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ኣቶ ህብትዝጊ ኪዳነ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ዘለዉ መማህራን ብወለንታኦም ንዝደኸሙ ተመሃሮ ክሕግዙ ኣዘኻኺሩ።

Categories