ሃማደኤ ዞባ ማእከል፡ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት መንግስቲ ንዝተዋጽኣ 80 ኣባላት ቦርድ ማሕበርን መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮን፡ ኣብ ምሕደራ ዘተኰረ ናይ ክልተ ሰሙን ስልጠና ወዲቡ።

እቲ ትምህርቲ፡ ካብ ኣመሪካ ብዝመጽአ ዶ/ር ሃይለ ንጉሰ ዝተባህለ ኤርትራዊ በዓል-ሞያ እዩ ተዋሂቡ።

ብ23 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ማሕበር ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ዞባታት ዘሎ መሰልጠኒ ማእከላት ዝውድቦ ናይ ሞያ ትምህርቲ፡ በብእዋኑ ኣብ ምሕደራን መሪሕነትን ዘተኰረ ዓቕሚ ደቂኣንስትዮ ዘበርኽ ሓጸርቲ ስልጠናታት እውን ክህብ ምጽንሑን ብዝለዓለ ከምዝደፍኣሉን ገሊጻ።

ሰልጠንቲ፡ ዝተዋህበን ትምህርቲ ንዝነበረን ድሩት ኣፍልጦ ዝድርዕን ዘዕምቚን ኰይኑ ከምዝረኸባኦ ብምርግጋጽ፡ ኣገዳስነቱ ተራእዩ ኣብ ኩለን ትካላት መንግስቲ ክወሃብ ኣዘኻኺረን።

Categories