ብደረጃ ሃገር፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ወቕቲ ክራማት ዝካየድ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝሳተፍዎ – ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት፡ ሎሚ ዓመት ካብ 7 ሓምለ ክሳብ 15 ነሓሰ ክካየድ እዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ወፍሪ ተመሃሮ ንልምዓት ኣቶ ፍትዊ ወልደጊዮርጊስ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ፡ 40 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም ልዕሊ 23 ሽሕ ተመሃሮ ኣብ 40 ንኡሳን ዞባታትን 140 ነቑጣታትን ተዋፊሮም ክነጥፉ መደብ ከምዘሎ፣ 850 መራሕቲ ስራሕን ኣወሃሃድትን ድማ ከምዝሳተፉ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣብ ጐደናታት፡ ማይ-ክዖታትን ልዕሊ ዲጋታትን ዝሰላሰል መደባት፡ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ምግራብን ዘተኰረ ኰይኑ፡ ምስራሕን ምጽጋንን ዛላታት፡ ከትሪታትን ካናሌታትን፡ ከምኡ’ውን ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያታት ከምዘጠቓልል፡ ኣቶ ፍትዊ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ 200 ተመሃሮ ኣብ ንጥፈታት ድሕነት ትራፊክ፣ 100 ድማ ኣብ ምጽፋፍ ሰነዳት ማእከል ምርምርን ስነዳን ክዋፈሩ እዮም።

ኣቶ ፍትዊ፡ ኣብ’ዚ ወፍሪ ቅጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ኮቪድ-19 ክኽበር ስለዘለዎ፡ ተመሃሮ፡ መማህራን፡ ኣለይትን ኣወሃሃድቲ ስራሕን ዕቱባት ክኾኑ ተላብዩ።

ነቲ ወፍሪ ንምዕዋት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘድሊ መሳለጥያታት ቀሪቡ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኩነታት ክሊማ ኣብ ግምት ብምእታው – እቲ ወፍሪ ኣቐዲሙ እዩ
ጀሚሩ።

Categories