ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓዲ-ሓውሻ፡ ብ29 ሰነ 2022 ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ ንዝተሃስየት ዲጋኦም፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ብምውህሃድ – ብማሽነሪ ተሓጊዞም ይጽግንዋ ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ናይ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ገብረሂወት እስቲፋኖስ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ መዓልታዊ ልዕሊ 400 ዓቕሚ-ሰብ ይሳተፍ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ማእከል፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኢንጂነር ኣቤል ወልደጋብር፡ በቲ 90 ሚሊ-ሜተር ዝተዓቀነ ብርቱዕ ዝናብ፡ ገለ ክፋል ናይ’ታ ዲጋ ከምዝተሸርሸረ ገሊጹ።

ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዓድታት ዝህነጻ ዲጋታት፡ ገፊሕ መስተንፈሲን ልዕሊ 100 ሜትሮ መከላኸሊ መንደቕን ክስራሓለን ከምዝግባእ ድማ፡ በቲ ኣጋጣሚ ኣተሓሳሲቡ።

Categories