ኣብ ከተማ ብራስለስ – ቤልጁምን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ – ኬንያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ በዓል ናጽነት – “ንያትና – ናጻ ሕርያና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ4 ሰነ ብውዕውዕ መንፈስ ጸምቢሎም።

እቲ ኣብ ክልቲኡ – ኣብ ሓደ ዕለት ዝተገብረ ጽምብል፡ ብዕዙዝ ተሳትፎን ኣበርክቶን መንእሰያት ማዕሪጉ ከምዝወዓለ፡ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሃገራት በነሉክንሰን ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ኣብ መትከል “ናጻ ሕርያ” ጸኒዖም ሳላ ዝተቓለሱ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት መኸተን ልምዓትን፡ ዓበይቲ ዓወታት ከም እተመዝገበ ኣረዲኡ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት፡ ጥምረቶምን ሓድነቶምን ኣስጢሞም፡ ኣበርክቶኦም ኣብ ሃገራዊ መደባት ከዕዝዙ ድማ ተላብዩ።

ኣብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ – ኬንያ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ ነዛ ርእሰ-ኩሉ ኣውደ-ኣመታትና ዝዀነት ዕለተ-ናጽነት፡ ብልዑል ሃንቀውታ ከምዝጽበይዋን ከም ሓንቲ ስድራ ተሓቛቚፎም ከምዝውዕሉን ብምሕባር፡ ሓድነቶም ብምድልዳልን ውዳቤታቶም ብምሕያልን መብጽዓኦም ንዝበረኸ መኸተ ኣረጋጊጾም።

Categories