ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን፡ ምስ ኮሌጅ ስነፍልጠት ማይ-ነፍሒ ብምትሕብባር ኣብ ዝወደቦ ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ሞያዊ ስልጠና ዝተሳተፉ 40 ደቂኣንስትዮ ዝርከባኦም 115 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ብ1 ሰነ ተመሪቖም።

እቶም ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ 64 ኣርትዖት ስእሊ – ማለት ኤዲቲንግ፡ 37 ግራፊክስ፡ 14 ድማ መባእታ ኮምፕዩተር እዮም ተማሂሮም።

ዲን ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ – ፕሮፎሰር ገብራይ ኣስገዶም፡ እቲ ስልጠና፡ ንተመሃሮ ተወሳኺ ሞያ ዘቕስም፣ ሰራሕተኛታት ድማ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግሎት ኣብ ምርግጋጽን ሰነዳት ብግቡእ ኣብ ምዕቃብን ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓላፊት ሃማመተኤ ዞባ ሳዋን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ወ/ሮ መንሱራ ኢብራሂም፡ ሰልጠንቲ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ብስራሕ ከማዕብልዎን ናብ ካልኦት ከሰጋግርዎን ኣዘኻኺራ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ 243 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ዝተሳተፍዎ – ተመሳሳሊ ሞያዊ ስልጠናታት ከምእተዋህበ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

Categories