ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምበሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ህንጻ ቤት-ትምህርቲ መባእታ፡ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ዳር-ኣ’ሰላም ንምስፋሕን፡ ዝጸንሓ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ጸገም ንምፍታሕን ዝወጽአ ውጥን ንምብጋስ፡ ብ3 ሰነ እምነ-መሰረት ኣንቢሩ።

እቲ ብተሳትፎ ሕብረተ-ሰብ ዝህነጽ በዓል ክልተ ደርቢ ህንጻ፡ 8 ክፍልታት ምስ ብራንዳኡ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ንቤተ-ፈተነ፡ ቤት-ንባብን ኣብያተ-ጽሕፈትን ከገልግል ምዃኑ ተሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ማሕሙድ ዑስማን፡ ሕብረተሰብ ንዝወሰዶ ተበግሶ፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳር ከተማ ከረንን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርትን ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ሞጒሱ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ መምህር ክፍላይ ዓንደሚካኤል በቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ወፍሪ ንሓደ ኣካል ጥራይ ዘይግደፍ፡ ናይ ሓባር ተሳትፎን ጻዕርን ዝሓትት ምዃኑ ብምምልካት፡ ትሕተ-ቅርጺ ስፖርትን ካልእን ንምምላእ፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብን ትካላትን እጃሞም ከበርክቱ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ህንጻታት ኣብያተ-ትምህርቲ ግቡእ ጠመተ ስለዘድልዮም፡ ሞያውያን ምስ ሕብረተ-ሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ዕቱብ ምክትታል ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

Categories