ብምኽንያት 5 ሰነ – ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣከባቢ፡ ‘‘ዓለምና እንኮ እያ’ሞ ንዓቅባ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰፊሕ ወፈራዊ ጽሬት ተኻዪዱ።

ነቲ ምስ ፕሮጀክት ዓዲ ሃሎ ብምውህሃድ ብ5 ሰነ ኣብ ዞባ ማእከል ዝተኻየደ ወፈራ ብዝምልከት፡ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮሎኔል ገብረዮውሃንስ ወልደጊዮርግስ – ኩለን ንኡሳን ዞባታት ካብ ቅድሚ ሰሙን ኣትሒዘን ምድላዋተን ኣጻፊፈን ብምጽንሐን፡ እቲ ብማሽነሪታት ዝተደገፈ ስራሕ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዞባ ማእከል ሓላፊ ጨንፈር ምሕደራን ዳህሳስን ኣከባቢ፡ ኣቶ ምሉእብርሃን ገብረዮውሃንስ፡ ብደረጃ ሃገር – ካብ 31 ግንቦት ዝጀመረ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክካየድ ከምዝቐነየ ገሊጹ።

ተመሳሳሊ ወፈራታት ጽሬት፡ ብ4 ሰነ ኣብ ከተማ ዓሰብ፣ ብ2 ሰነ ድማ ኣብ ከተማ ባጽዕ ከምእተኻየደ፡ ወከልቲ ኤሪና ሓቢሮም።

መደባት ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣከባቢ 2022፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ዘበርኽ ውድድር ሓፈሻዊ ፍልጠት – ኣብ መንጎ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፣ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን መሻርኽቲ ኣካላት ው.ሕ.ሃን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፣ ከምኡ’ውን ንጥፈታት ጽሬት ዘጠቓለለ ነይሩ።

Categories