ብ16 ግንቦት ካብ ግንባር ደቀምሓረ – ዕርዲ ኣፈልባ ነቒላ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ደቡብ ዑደት ክትገብር ዝቐነየት ‘ሽግ ናጽነት’፡ ብ20 ግንቦት ኣብ’ቲ ወራሪ ስርዓት ወያነ ዝተሳዕረሉ ዕርድታት ዓዲበጊዖ ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዑደታ ዛዚማ።

ኣብ’ቲ ዕለት፡ ተቐማጦ ዓዲ-ዃላ ብሰልፊ ፖሊስን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ዓጂቦም ንልዕሊ ክልተ ኪሎ-ሜትር ድሕሪ ምስናዮም ዓዲ-በጊዖ ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ኣብ ዑደት ብዝጸንሐት ሽግ ገይሩ፡ ነታ ኣብ’ቲ ታሪኻዊ ቦታ ዝተዳለወት ዓባይ ሽግ ወሊዑ።

ኣብ’ቲ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ ጸሓፊት ህግደፍ ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ኣመተ ንጉሰ፡ ከምኡ’ውን ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣቶ ዓንደመስቀል – ሽግ ናጽነት ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነቱን ልኡላውነቱን ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ እተዘኻኽር፣ ትእምርት መኸተን ዓወትን ምዃና ገሊጹ።

ነበርቲ ዓዲ-በጊዖ፡ ካብ 22 ክሳብ 25 ግንቦት 2000 ዓ.ም ተሃንዲዱ ብግንባር ዓዲ-በጊዖ ዝተበገሰ ወራር ወያነ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብዘርኣይዎ ልዑል ጅግንነታዊ ቅያ ሕቚኡ ተጐዚዙ ሕልሙ ከምዘኽተመ ገሊጾም።

እታ ሽግ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ደቀምሓረ፡ ድባርዋ፡ መንደፈራ፡ እምኒ-ሓይልን ዓዲዃላን ዑደት ኣብ ዝገበረትሉ፡ ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ድሙቕ ናይ ምቕባልን ምፍናውን ስነ-ስርዓት
ከምእተገብረላ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories