ብርሰት ባህርያዊ ኣከባቢ ብሓፈሻ፡ ምድካይ ህይወታዊ ብዙሕነት ድማ ብፍላይ ንምግታእ፡ ኣወዳድባና ኣሐዪልና፡ ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብ ክዕየ፡ ሚኒስትሪ መሬትን ማይን ኣከባቢን ብኣጋጣሚ 22 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ህይወታዊ ብዙሕነት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ።

እቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብርሰት ባህርያዊ ኣከባቢ ብሓፈሻ፡ ምድካይ ህይወታዊ ብዙሕነት ድማ ብፍላይ ንምግታእ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታት፡ ስትራተጂታትን ውጥናት ትግባረን ሓንጺጹ፣ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ዘለዎ ምዕቃብ ማይን ሓመድን፡ ምግራብ፡ ምሕዛእ መቓምጦ ጅራት እንስሳታትን ኣትክልትን፡ ምስራሕ ከዘንቲ ማይ፡ ምዕቃብ መበቈላውያን ዘራእቲ፡ ምትእትታውን ምስፋሕን ተሓዳሲ ጸዓትን ምዝርጋሕ ቆጠብቲ ጸዓት እቶናትን ከካይድ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ብቐጻሊ ክበርስ ዝጸንሐ ህይወታዊ ብዙሕነት ሃገርና ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝከኣል’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዛጊት ነምጽኦ ዘሎና ለውጢን ተጠርዩ ዘሎ ተመኲሮን፡ ባህርያዊ ኣከባቢና እንተጽዒርካሉ ክምለስ ከምዝኽእል ዝእንፍት ምዃኑ፡ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

“ንኹሉ ህይወታዊ ዝብጻሕ መጻኢ ምህናጽ” ዝብል ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ ንቐጻልነት ህይወት ዝፈታተን ስስዐ ዝመልኦ ማሕበረ-ቁጠባዊ መስተጋብር ደቂ-ሰብ ንምግታእ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ንኹሉ ህይወታዊ ዝሓሸ ባይታ ዘጣጥሕ መጻኢ ኣብ ምህናጽ እጃሙ ከበርክት ዘዘኻኽር ምዃኑ ድማ፡ እቲ መግለጺ ኣረዲኡ።

Categories