ኣብ መላእ ሃገር፡ ኣብ 755 ምምሕዳራት ከባቢ – ምርጫታት ኣመሓደርትን ኣነባበርትን ክካየድ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ እቲ መስርሕ ኣብ 598 ምምሕዳራት ከባቢ ከም እተዛዘመ፡ ዝተረፋ 157 ምምሕዳራት ከባቢ ድማ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከባ ተገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ዮሃንስ ገብረኣብ፡ ንምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዛጊት ተመሪጾም ካብ ዘለዉ 1196 ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን፡ እተን 272 – ማለት ኣስታት 23 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ኣብሪሁ።

ክሳብ 2000 ዓ.ም መስርሕ ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ብሕርያን ምምዛዝን ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2018 ንኹለን ምምሕዳር ዞባታት ብሓደን ብውሁድ ኣገባብን ዘስርሕ ሕጋዊ መምርሒታት ድሕሪ ምውጽኡ ግን፡ መስርሕ ምርጫ ብኣኡ ከምእተጀመረ ኣረዲኡ።

ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣብ ምዕዋት ማሕበረ-ቁጠባውን ልምዓታውን መደባት ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ዞባታት ብተበግሶአን – ብቐንዱ ኣብ ምሕደራ፡ ኣተሓሕዛ ፋይናንስ፡ ኣተዓቓቕባ ሰነዳትን ኣተኣኻኽባ ግብርን፡ ኣብ ስራሖም ዝሕግዞም ናይ መበገሲ ስልጠናታት ከምዝወደባ ብተወሳኺ ገሊጹ።

Categories