ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብምኽንያት ጽምብል መበል 31 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዘዳለዎ ኤግዝቢሽን፡ ትማሊ 20 ግንቦት ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተኸፊቱ።

እቲ ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ናይ’ቲ ማሕበር ቀሪቡ ዘሎ ምርኢት፡ ኣካል ናይ’ቲ በዓል ናጽነት ንምድማቕ ዝቐርብ ዘሎ መደባት ምዃኑ ዝሓበረት፡ ኣብ ሃማደኤ ሓላፊት ክፍሊ ማሕበረ- ቁጠባዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ሰናይት መሓሪ፡ በተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብፍሉይ ቅዲ ማእለማ ዝሰልጠና ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ዕላማ፡ ዝሰልጠናሉ ሓድሽ ቅዲን ፍርያተንን ንህዝቢ ንምልላይ፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝምልከቶ ኣካል ዘድሊ ሓገዝን ኣፍልጦን ንምርካብ ምዃኑ ድማ ኣረዲኣ።

እቲ ሎሚ እውን ንህዝቢ ክፉት ኮይኑ ዝውዕል ምርኢት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓባራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃን ሩስያን ቀሪቡ – ጽቡቕ ተቐባልነት ዝረኸበ ምዃኑ፡ ወ/ሮ ሰናይት ብተወሳኺ ሓቢራ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሃማደኤ ዞባ ማእከል ዝተዳለወ ንናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተሓልፈ መስገደልን ዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት፡ ብ19 ግንቦት ንምርኢት ከምዝቐረበ ወኪል ኤሪና ገሊጹ።

Categories