ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ኣኽርያ፡ ድርፎ – ነበርቲ፡ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ስራሓት የካይዱ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ድርፎ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኣትሒዞም፡ ማይን ሓመድን ናይ ምዕቃብ ንጥፈታት የሰላስሉ ኣለዉ።

መዓልታዊ ኣስታት 400 ሰባት – ኣብ ሰሙን 6 መዓልታት፡ ኣብ ሓሙሽተ ነቑጣታት እናወፈሩ፡ 8 ሜተር ቁመትን ሓደ ሜተር ጐድኒን ዘለዎ ዛላታት ይሰርሑ ከምዘለዉ፡ ወኪል ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ መንእሰይ ዮውሃንስ በረኸት ገሊጹ።

ዛጊት ኣስታት 74 ሄክታር ተዛልዩ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ምስ ምጅማር ክራማት – ዒቃ፡ በለስን ቀላሚጦስን ክትከለሉ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቶም ነበርቲ፡ ብልዑል ወኒ ይሰርሑ ምህላዎም ዝሓበረ መንእሰይ ዮውሃንስ፡ ንዝያዳ ውጽኢታውነት – ምስ’ቲ ከባቢ ዝሰማማዕ ፈልሲ ክዳሎ ኣተሓሳሲቡ።

Categories