ኣብ ዞባ ደቡብ፡ “ንያትና ናጻ ሕርያና” ብዝብል ቴማ ዝበዓል መበል 31 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንምፍላም፡ ‘ሽግ ናጽነት’ – ካብ’ቲ ዛዛሚ ኲናት ሓርነት ዝተኻየደሉ ግንባር ደቀምሓረ፡ ብውዕዉዕ ስነ-ስርዓት ብወግዒ ተበጊሳ።

እታ ኣብ ሓሙሽተ ንኡሳን ዞባታት ዑደት እትገብር ሽግ፡ ብ16 ግንቦት – ነበርቲ ኣፈልባ ከምኡ’ውን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ተመሃሮን ብምዕሩግ ሰልፊ ኣሰንዮም ኣበጊሶምዋ።

ሽግ ናጽነት ከተማ ደቀምሓረ ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ የማነ ኣበራ፡ ኣብ ማእከል’ታ ከተማ ንእትርከብ ዓባይ ሽግ ድሕሪ ምውላዕ፡ ሽግ ናጽነት – ውጽኢት ጽንዓትና፡ መኸተናን ክቡር መስዋእትናን ምዃና ገሊጹ።

ዘዋሪት ሽግ ናጽነት፡ ካብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ተበጊሳ – ብንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቢላ፡ ናብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ እምኒ-ሓይን ዓዲ-ዃላን ኣምሪሓ ኣላ።

ዑደት ሽግ ናጽነት፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ 2016 እዩ ጀሚሩ።

Categories