\ኣባላት ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ኣብ ዞባ ማእከል – ከባቢ ማይ ድምነት፡ ናይ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመረ ማእቶት፡ ኣካል ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ንኣስታት 5 ዓመታት ኣብ ከባቢ እምባደርሆ ዘካየድዎ ናይ ምግራብ ንጥፈታት ምዃኑ ዝሓበረ – ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ዓንደሚካኤል ኣስገዶም፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ እናወፈሩ ዛጊት ኣስታት 3 ሄክታር ከምዝዛለዩ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ሂወታዊ ብዙሕነት ኣቶ እስቲፋኖስ በይን፡ እቲ ዝስራሕ ዘሎ ቅናታውን መትረባውን ዛላታት – 4 ሜተር ቁመትን ሓደ ሜተር ጐድኒን ዘለዎ ምዃኑን፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙናት ጐዳጉዲ ብምዂዓት ኣብ ወርሒ ሓምለ ፈልሲታት ኣግራብ ንምትካል መደብ ከምዘለዎምን ሓቢሩ።

እቶም ወፋሮ በዚ ኣጋጣሚ፡ ነፍሲወከፍ ትካል መንግስትን ውልቀ-ሰባትን ኣግራብ ኣብ ምትካል ብዝለዓለ ክነጥፉ ተላብዮም።

Categories