ነበርቲ 12 ዓድታት ንኡስ ዞባ ማይምነ፡ ጥዕናኦምን ጽሬት ከባቢኦምን ንምውሓስ፡ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ተግቢሮም።

ብ8 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ሓላፊ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ሓጐስ ሃብተማርያም፡ ዓድታት ነቲ ዝሃነጻኦ ዓይኒ-ምድሪ ብግቡእ ክጥቀማሉን ቀጻልነቱ ከውሕሳን ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ካብ 76 ዓድታት እተን 67 ነቲ መደባት ብምልኣት ከምዘተግበራ ጠቒሱ፡ ተሪፈን ዘለዋ 9 ዓድታት እውን ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከባ ሓቢሩ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ንኡስ ዞባ ማይምነ፡ ነርስ ምሉጌታ ገብረየውሃንስ፡ ኣብ’ተን ነቲ መደብ ብምልኣት ዝተግበራ ዓድታት፡ ብጉድለት ጽሬት ዝኽሰቱ ሕማማትን ሳዕቤናቶምን ከምዝነከየ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይምነ ሌተና ኮሎኔል ኣብርሃም ሃይለ ድማ፡ እቲ መደብ – ከም’ቲ ኣብ ምትግባሩ ኣብ ምዕቃቡ እውን ዕቱብነት ክህሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories